+4915901950372
info@tigrinya.de

Allgemein

ሽሕ'ኳ ሓደ 'ሻኲ' ዝብሃል ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ በትርን ኩዕሶን ዘለዎ ዓይነት ስፖርት እናሃለወ ምስቲ ዝበለጸ ኣብ ዓለም ዘሎ 'ቤዝቦል' ዝብሃል ዓይነት ስፖርት ክደናገር ኣይግባእን። ቤዝቦል ብክልተ ተትሽዓተ ተጻወትቲ ዘለዎም ጋንታታት እዩ ዝጽወት። ቀንዲ ዕላማ ናይ ኩሉ ጋንታ ካብቲ ዝወዳድር ጋንታ ዝያዳ ራንስ (runs) ምእታው እዩ፣ እዚኦም ራንስ ከኣ ብዙርያታት ምጉያይ እዮም ዝብጻሑ፣ ማለት ቀዳማይን ካልኣይን ሳልሳይን ቤዝ (base) ምስሓለፍካዮም ናብ ፈለማይ/መበገሲ ቤዝ ምምላስ እዩ፣ ሽዑ ናብኡ ምስተመለስካ ሓደ ነጥቢ (ራን/run) ኣእቲኻ ማለት'ዩ። እቲ ዝበዝሕ ራንስ ከእቱ ዝከኣለ ጋንታ ክስዕር እዩ። እቲ ዘጥቅዕ (ብበትሪ ዝሃርም) ጋንታ ጥራይ ራንስ ከእቱ ይኽእል። እቲ ካልእ ጋንታ ሽዑ ኣብ ምክልኻል እዩ ዘሎ፣ ማለት በቲ ኣብ ምጥቃዕ/ምህራም ዘሎ ጋንታ ራንስ መታን ከይግበሩ፡ ክኽልክል/ክዓግት እዩ ዝጽዕር፣ ሰለስተ ግዜ ክዓግት ምስከኣለ ድማ እቶም ጋንታታት ይለዋወጡ እዮም፣ ማለት እቲ ኣብ ምጥቃዕ/ምህራም ዝነበረ ጋንታ ናብ ምክልኻል እዩ ዝቕይር (ናብቲ መጻወቲ ሜዳ ይወጽእ ሽዑ)፣ እቲ ኣብ ምክልኻል ዝነበረ ጋንታ ከኣኒ ናብ መህራም እዩ